Mini vic.gov.au

This is a low bandwidth version of vic.gov.au. Contents may not be up to date. © Copyright State Government of Victoria

Tigrinya - Kinder Tick

ንቪክቶሪያ ስድራቤታት ምእንታን መዋዕለ ሕጻናት ክረኽቡ ንምሕጋዝ ናይ ቪክቶሪያ መንግሥቲ ሓዱሽ ምልክት አሎዎ። እዚ Kinder Tick ይብሃል። ንቪክቶሪያ ስድራቤታት ምእንታን መዋዕለ ሕጻናት ክረኽቡ ንምሕጋዝ ናይ ቪክቶሪያ መንግሥቲ ሓዱሽ ምልክት አሎዎ። እዚ Kinder Tick ይብሃል።

ናይ መዋዕለ ሕጻናት ወይኻዓ ናይ ቅድሚያ ሕጻውንቲ ግዘ ኣገልግሎት ዘለዎ ህንጻ ክትመጽእ እንከሎ ነዚ ምልክት ትርእዮ ኢኻ። ከምኡ’ውን ኣብ ናቶም ዌብሳይቲ/ድረገጽ ነዚ ምልክት ክትርእይ ትኽእል ኢኻ።

እዞም መዋዕለ ሕጻናት ኣገልግሎታት ንሕጻውንቲ ትምህርቲ ብሓቒ ጠቓሚ እዩ።

እቲ ምልክት Kinder Tick ነዚ ይመስል።

እዚ ምልክት’ዚ ማለት ናይቲ ኣገልግሎታት ገንዘብ ሓገዝ ብናይ ቪክቶሪያ መንግሥቲ ይኸውን።

ደቕኹም ብናይ ሞያተኛ መምህራን ብጻወታ ኣቢሎም ይምሃሩ እዮም።

ንኣብነት፡ ብዛዕባ ቋንቋ፣ ቁፅሪን ኣወጻጽኣ ቅርጺታትን ይማሃሩ እዮም። ብኸመይ መሓዙት ከፍርዩ ከምዝኽእሉ፤ ሓሳቦም ምኽፋልን ጽን ኢልካ ንምስማእ ከምዝኸሉ ይማሃሩ። ከምኡ’ውን ምእንታን ንቤት ትምህርቲ ክዳለዉ ዝሕግዝ ካልእ ናይ ሞያ ሓገዝ ይረኽቡ።

ካብ 2022 ዓ.ም ጀሚሩ ናይ ቪክቶሪያ ሕጻውንቲ ቅድሚ ቤት ትምህርቲ ምጅማሮም ብናይ መዋዕለ ሕጻናት ንክልተ ዓመታት ምኻድ ይኽእሉ እዮም።

ፕሮግራም መዋዕለ ሕጻናት ናይ ሕጻን ሓልየት መውሃቢ ሓደ ኣካል ክኸውን ይኽእል። ከምኡ’ውን እዚ ፍሉይ ዝበለ ፕሮግራም ክኸውን ይኽእል።

ብናትኻ ማሕበረሰብ ንዘሎ ናይ Kinder Tick ምልክት ምርኣይ። ብዝበለጸ መረዳእታ ትደሊ እንተኾይንካ ኣብ መዋዕለ ሕጻናት ንዘለዉ መማሃራን ኣዘራርብ።

Updated 26 March 2026



About the VIC Government

Grants and programs

Jobs and careers

Arts, culture and heritage

Business and the workplace

Communities

Education and training

Environment, water and energy

Finance and economy

Health and social support

Housing and property

Law and justice

Safety and emergencies

Science and technology

Sport and recreation

Traffic and transport

Working in the Victorian Government