Mini vic.gov.au

This is a low bandwidth version of vic.gov.au. Contents may not be up to date. © Copyright State Government of Victoria

ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) - ትግርኛ (Tigrinya)

On this page

ናይ ስደተኛ ወይ ዕቝባ ደላዪ ድሕረ-ባይታ እንተሃልዩካ ኣቐድም ኣቢሉ ንዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten/ESK) ብቝዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኢኤስኬይ (ESK) ንውሉድካ በብሰሙን እቲ ዝለዓለ ናጻ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ሰዓታት ንኽትረክብ ንኽተረጋግጽ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ብኸመይ ከም እትሓትት

ኢኤስኬይ (ESK) ኣብ ኵሉ እቲ ብብቑዕ መምህር ዝወሃብ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ይርከብ እዩ። ምስ ሓደ ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ብምርኻብን ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምርካብ ንኽትክእል ብምሕታትን ንውሉድካ ክተመዝግቦ ትኽእል ኢኻ። ናይ መዋእለ ህጻናት ኣገልግሎታት ብቛንቋኹም ብጽሑፍ ሓበሬታ ንምሃብ ብናጻ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ከምኡውን ሓገዝ ንምርካብ ናብቲ ናይቲ ክፍሊ ትምህርቲ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ናይ ሕቶ መስመር ብ 1800 338 663 ክትድውል ወይ ከኣ ምስቲ ናይ ኸባቢኻ ቤት ምኽሪ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ብቛንቋኻ ሓገዝ ምእንቲ ኽትረክብ ብ 131 450 ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምትርጓምን ምስትርጓምን ክትድውል ትኽእል ኢኻ፣ ነቲ ተርጓሚ ደዊልካ ናብቲ ናይ ከባቢኻ ቤት ምኽሪ ቁጽሪ ወይ ናብ ክፍሊ ትምህርቲ ኽድውለልካ ሕተቶ፣ እቲ ኣስተርጓሚ ድማ አብ እቲ መስመር ኮይኑ ከተርጉመልካ እዩ።

መዓስ ክተመልክት ክም ዘሎካ፦

ህጻናት ኣብታ ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ንኽካፈሉ ዝተመዝገቡላ ዓመት ቅድሚ 30 ኤፕሪል (ሚያዝያ) ሰለስተ ዓመት እንተድኣ ገይሮም ንኢኤስኬይ (ESK) ብቑዓት እዮም። ‘መዓስ ከም እትምዝገብ’ ርአ።

ውሉድካ ኻብ 1 ጥሪ ኽሳዕ 30 ሚያዝያ እንተ ተወሊዱ ኣየነይቲ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ከም ዝጅምር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ውሉድካ ዕድሚኡ 3 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ወይ 4 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክጅምር ይኽእል እዩ። ውሉድካ ዕድሚኡ 3 ኣብ ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን እንተ ጀሚሩ ኣብታ ዕድሚኡ 5 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ትምህርቲ ይጅምር። ውሉድካ ኣብታ ዕድሚኡ 4 ዓመት ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክትልእኾ እንተ መሪጽካ፣ ዕድሚኡ 6 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ትምህርቲ ይጅምር።

ውሉድካ ንኢኤስኬይ (ESK) መዓዝ ብቑዕ ክም ዝኸውን ንምፍላጥ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ዀይኑ ምስ ክፍሊ ትምህርቲ፣ ምስ ቤት ምኽሪ ኸባቢኻ፣ ምስ ናይ ወለድን ናይ ህጻናት ጥዕናን ኣላዪት ነርስ፣ ወይ ካብቶም ዝስዕቡ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ውድባት ምስ ዝኾነ ይኹን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ፦

ወደይ ናብ ናይ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ክኸይድ ኣለዎዶ?

እወ፣ ናብ ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) ዝኣትዉ ቘልዑ ብናጻ ወይ ብትሑት ዋጋ ናይ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ካብ 2025 ንነጀው ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዕድመ መዋእለ ህጻናት በብቝሩብ ቅድመ-ምድላው ይኸዉን ኣሎ። ካብ 2026 ንነጀው ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ክሳዕ 25 ሰዓታት ቅድመ-ምድላው ክወሃብ ኢዩ፥

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኢኤስኬይ (ESK) ምምዝጋብ ውሉድካ ኣብ ቪክቶርያ ዝነብረሉ ቦታ ብዘየገድስ ኣብ ሰሰሙን ነቲ ቅድመ-ፕረፕ (Pre-Prep) ዝተገብረ ተወሳኺ ሰዓታት ክረኽቦ ኸም ዝኽእል ውሕስነት ይዀነካ። ስድራ ቤታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢኤስኬይ (ESK) እንተ ዘይተመዝጊቦም ንቅድመ-ፕረፕ (Pre-Prep) ብቑዓት ይኾኑ እዮም።

Updated 26 March 2026



About the VIC Government

Grants and programs

Jobs and careers

Arts, culture and heritage

Business and the workplace

Communities

Education and training

Environment, water and energy

Finance and economy

Health and social support

Housing and property

Law and justice

Safety and emergencies

Science and technology

Sport and recreation

Traffic and transport

Working in the Victorian Government