ብኸመይን መዓስን ከም እትምዝገብ (How and when to enrol) - ትግርኛ (Tigrinya)
On this page
- ብኸመይ ከም ትምዝገቡ
- ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten)
- መዓስ ከም እትምዝገብ
- ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ርኸብ
- ነታ ናይ ኪንደር ምልክት ርአ፦
ብኸመይ ከም ትምዝገቡ
ብዛዕባ እቲ መስርሕ ምዝገባ ምስ ቤት ምኽሪ ኸባቢኻ ወይ ምስቲ ኣገልግሎት አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ተዘራረብ። ከምኡውን ነቲ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ናይ ሕቶ መስመር ብ1800 338 663 ክትድውል ወይ ናብ 3YO.kindergarten@education.vic.gov.au ኢ-መይል ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ብቛንቋኹም ደገፍ ንምርካብ ወይ ኣስተርጓሚ ንምርካብ፣ ፈለማ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ትርጕምን ኣስተርጓሚን ብቝጽሪ 131 450 ደውሉ።
ብተወሳኺ’ውን ንናትኩም መዋእለ ህጽናት ብዛዕባ ነቲ ብናጻ ዝግበር ናይ ወላድን ኣላዪን ናይ ውሽጢ ናይ ተሌፎን ምስትርጓም ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ትጥቀምሉ ሓበሬታ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten)
ናይ ስደተኛን ናይ ዕቝባ ሓተትቲን ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ቘልዑ ብኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) ኣቢሎም ብቐዳምነት ተወሳኺ ደገፋትን አገልግሎታትን ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም። ንውሉድካ ክተምዝገብ ከለኻ ነቲ ናይ ከባቢኻ ኣገልግሎት ብዛዕባ ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ከኣ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣቐድም ኣቢሉ ናብ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) ብጻሕ።
መዓስ ከም እትምዝገብ
ኣብ ቪክቶርያ፣ ቈልዑ ደቂ 3 ዓመት ክኾኑ ከለዉ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ክተጀምሮም ትኽእል ኢኻ። ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ዓመትን አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣብ ኣየናይ ዓመት ከም ዝጅምሩ ንምፍላጥ፣ ዕለተ ልደት ውሉድካ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዕድመ ቀመር (Starting Age Calculator) ክተእቱ ትኽእል ኢኻ።
ውሉድካ ኻብ 1 ጥሪ ኽሳዕ 30 ሚያዝያ እንተ ተወሊዱ ኣየነይቲ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ከም ዝጅምር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ውሉድካ ዕድሚኡ 3 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ወይ 4 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክጅምር ይኽእል እዩ። ውሉድካ ዕድሚኡ 3 ኣብ ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን እንተ ጀሚሩ ኣብታ ዕድሚኡ 5 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ትምህርቲ ይጅምር። ውሉድካ ኣብታ ዕድሚኡ 4 ዓመት ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክትልእኾ እንተ መሪጽካ፣ ዕድሚኡ 6 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ትምህርቲ ይጅምር።
ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ርኸብ
ተቐባልነት ዘለዎ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ክትረክብ እንተ ደሊኻ ናብቲ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ወብ ሳይት ብጻሕ። እቲ ናይ ከባቢኻ ቤት ምኽሪን ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ኣገልግሎትን ኣብ አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ቦታ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዩም።
ነታ ናይ ኪንደር ምልክት ርአ፦
እታ ናይ ኪንደር ምልክት ንስድራ ቤታት ቪክቶርያ ንደቆም ዝኸውን ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ንኽረኽቡ ትሕግዞም።
ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎት፣ ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ወይ ናይቲ ማእከል ህንጻ ወይ ባይታ ኣብ መርበብ ሓበሬቶኦም ወይ ኣብ ናይ ሓበሬታ ወረቐቶም ነታ ናይ ኪንደር ምልክት መለለዪ (ሎጎ) ርአ።

Updated 26 March 2026
About the VIC Government
- The Premier and ministers
- Find a Vic Gov department, agency or service
- Strategies and policies
- Inquiries and royal commissions
Grants and programs
Jobs and careers
Arts, culture and heritage
Business and the workplace
- Mentally Healthy Workplaces Framework
- Portable Long Service Authority
- Victoria’s racing industry
- Workforce Inspectorate Victoria
- Liquor licensing, sale and supply
Communities
- Children
- First Peoples - State Relations
- Finding records
- Gender equality & women’s leadership
- LGBTIQA+ equality
- Multicultural communities
- Seniors Online
- Veterans support and commemoration
- Volunteering in Victoria
- Youth Central
Education and training
- Victorian Early Childhood Regulatory Authority
- Early childhood education – information for professionals
- Kinder: Best Start, Best Life
- Education – information for parents
- Schools.Vic - information for schools
- Education grants, programs, awards and events
- PROTECT
- TAFE, training and universities sector
- TAFE Victoria
- Victorian Skills Authority
- Apprenticeships Victoria
- Learn Local
Environment, water and energy
Finance and economy
Health and social support
- Family violence reform
- NDIS Worker Screening Check
- NDIS and disability services and support in Victoria
- Patient Review Panel
- Transforming Trauma Victoria
Housing and property
Law and justice
- Adoption
- Births, deaths and marriages
- Honorary justices
- Machete ban
- Safeguarding Victorians against terrorism
- Stolen Generations Reparations Package
- Victims of Crime
- Victorian Racing Tribunal
Safety and emergencies
- Emergency Recovery Victoria
- Victorian Emergency Relief and Recovery Foundation
- Emergency Recovery Resource Portal
- How well do you know fire
- Fire Services Reform
- Water safety
- Marine Search and Rescue
Science and technology
- Data sharing and open data
- Data.vic - discover and access Vic Gov open data
- Developer.Vic - portal for API developers
- Go.vic URL shortener
- Vic Gov IT project dashboard
- Victoria’s free public wi-fi network
- Cyber security in the Victorian Government
Sport and recreation
Traffic and transport
- Cameras Save Lives
- Transport Fines
- Getting Around
- Transport Planning
- Transport Future
- Climate Change and transport
- Future Directions For Transport
- Transport projects
- Ports and Freight
Working in the Victorian Government
- Single Digital Presence home
- Accommodation and Library Services
- Executive employment in the Victorian public sector
- Budget, procurement and funding
- Careers in the Victorian Government
- Council and Regulator Toolkit
- Guidelines for working in government
- Join a government network
- Standards and guidelines
- VicFleet CarPool
- Victorian Government style guide