Mini vic.gov.au

This is a low bandwidth version of vic.gov.au. Contents may not be up to date. © Copyright State Government of Victoria

ኣብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት (Career Opportunities in Early Childhood Education) - ትግርኛ (Tigrinya)

On this page

ኣብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ንሓደስቲ መምህራን ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት

መንግስቲ ቪክቶርያ ንዅለን ስድራ ቤታት ቪክቶርያ እንተላይ ነቶም ዝተፈላለየ ባህላውን ልማዳውን ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ውጽኢት ብምምሕያሽ ለውጢ ኸምጽእ ቈሪጹ ኣሎ።

ነዚ መብጽዓ እዚ ንምፍጻም እታ ናይ ዝበለጸት ጅማሮ፣ ዝበለጸ ህይወት (the Best Start, Best Life) ተሓድሶ ነቶም ኣብ ትምህርቲ ቅድመ ቝልዕነት ስራሕ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ንምስፋሕ ልዕሊ 370 ሚልዮን ዶላር ከውጽእ እዩ።

ካብ መላእ እታ ሃገር ንዝመጹ ልዕሊ 11,000 ተወሰኽቲ ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህራን ንምስሓብን ንምድጋፍን ዝተፈላለየ ናይ ሰራሕተኛታት ተበግሶታት ተገይሩ ኢዩ።

ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ንዝመጹ ብቑዓት ሕጹያት ኣብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ሞያ ክሃንጹ ዝደልዩ ገንዘባውን ዘይ ገንዘባውን ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።

ከመይ ጌርካ ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህር ክትኸውን ከም እትኽእል ንምፍላጥ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓበሬታ ርኣዮ።

ኣብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ሞያ ምምዕባል

ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህር ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ዝተፈላለየ ናይ መጽናዕቲ ኣማራጺታትን ገንዘባዊ ደገፍን ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ናብ ናብ፦ ናይ ቅድመ ቁልዕነት ትምህርቲ ንኸተጽንዕን ንኽትሰርሕን ዝወሃበካ ገንዘባዊ ደገፍ | vic.gov.au

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድመ ቝልዕነት ትምህርቲ ዘሎ ስራሕን ዝወሃብ ገንዘባዊ ደገፍን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ናብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህር ምዃን ዝብል ብጻሕ።

ምቑጻር ስራሕ

ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ስራሕ ምቝጻር በቶም ውልቀ ሰባት ኣካየድቲ ስራሕ ኣገልግሎትን ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ዘቕርቡን ኢዩ ዝመሓደር።

እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዘሎ ንኽትፈልጥን ካብቶም ኣብቲ ናይ ስራሕ ባይታ ዝሰርሑ ሰባት ናይ ጕዳይ መጽናዕቲ ንኸተንብብን ናብ ወብ ሳይት ስራሕ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲኪድ።

ተወሳኺ ደገፍ ዝህቡ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ እንተ ደሊኻ ናብ ፦ Early Childhood Tertiary Partnerships program | vic.gov.au ብጻሕ።

Updated 26 March 2026



About the VIC Government

Grants and programs

Jobs and careers

Arts, culture and heritage

Business and the workplace

Communities

Education and training

Environment, water and energy

Finance and economy

Health and social support

Housing and property

Law and justice

Safety and emergencies

Science and technology

Sport and recreation

Traffic and transport

Working in the Victorian Government