ስልቲ ጸረ-ዓሌትነት ቪክቶርያ 2024-2029 (Victoria’s anti-racism strategy 2024-2029) - ትግርኛ (Tigrinya)
እዚ ኣብ ቪክቶርያ ንመጀመርታ እዋን ብደረጃ ምሉእ መንግስቲ ዝግበር ስልቲ ጸረ-ዓሌትነት፡ ኣብ ቪክቶርያ ዓሌትነትን ኣድልዎን ደው ንምባል እተገብረ ናይ 5 ዓመት ውጥን እዩ።
On this page
Victoria’s anti-racism strategy in Tigrinya PDF 1.16 MB (opens in a new window)
ብሓደ ዄንና ብምስራሕ፡ ኩሉ ሰብ ኣባል እቲ ማሕበረሰብ ዀይኑ ኸም ዝስምዖ እትገብር ፍትሓዊትን ውሕስትን ቪክቶርያ ክንሃንጽ ንኽእል ኢና።
ዓሌትነት እንታይ እዩ፧
ዓሌትነት ዓይነት ኣድልዎ ኰይኑ፡ ሰባት ብሰንኪ ዓሌቶም ወይ ብሄሮም ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ምስ ዝግበረሎም እዩ። ናይ ቃላት መጥቃዕቲ፡ ምግላል ወይ ከም ካልኦት ሰባት ተመሳሳሊ ዕድላት ዘይምሃብ ከጠቓልል ይኽእል።
ዓሌትነት ብብዙሕ መገዲ ክግለጽ ይኽእል። እዚ ስልቲ እዚ፡ ኣብዚ ዝስዕብ መዳያት ዓሌትነት ኣብ ምፍታሕ የተኵር፦
- ኣብ ማሕበረሰብ
- ኣብ ውድባትን ትካላትን
- ኣብ ሕግታትን ፖሊሲታትን ስርዓታትን።
ራኢና
ኩሎም ነበርቲ ቪክቶርያ ማዕረ መሰላትን ናጽነትን ዕቝባን ዝረኽቡላ፡ ኣብ ውሑስን ጥዑይን ደጋፍን ማሕበረሰባት ድማ ዝስስኑላ፡ ካብ ዓሌትነትን ኣድልዎን ነጻ ዝኾነት ቪክቶርያ።
እቲ ስልቲ፡ ኣብ ቪክቶርያ ዓሌትነትን ኣድልዎን ንምንካይ ዘኽእሉ 4 ሸቶታት ኣለዎ፦
- ሸቶ 1፦ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባታትን ባህርያትን እምነታትን፡ ክልለዩን ክብደሁን ክንጸጉን።
- **ሸቶ 2፦**መንግስታዊ ኣገልግሎታትን ናይ ስራሕ ቦታታትን ውሑስን ተበጻሕን ኣድልዎ ዘይብሉን ክኸውን።
- ሸቶ 3፦ ዓሌትነትን ኣድልዎን ደጊም ኣብ ኩሉ ጽላታት፡ ንተሳትፎ፡ ምዕባለ፡ ድሕንነት፡ ከምኡ እውን ዓወት ዕንቅፋታት ከይከውን።
- ሸቶ 4፦ ዓሌትነት ዘጋጠሞም ሰባት፡ ግቡእን ብባህሊ ውሑስን ዝዀነ ኣገልግሎትን ደገፋትን ክረኽቡ።
ነቲ ራእይ ክዉን ምግባሩ
ስልቲ ጸረ-ዓሌትነት ነዚ ዝስዕብ ክዓምም እዩ፦
- ኣብ ስፖርት ማሕበረሰብ፡ ዓሌትነት ንምፍታሕ ኣብ ምሉእ ቪክቶርያ ወፍሪ የካይድ
- ብደረጃ ከባቢ፡ ዓሌትነት ንምፍታሕ ብማሕበረሰብ ዝምራሕ ስጉምቲ ይድግፍ
- ኣንጻር ጽልኢ ዝመልኦ ዘረባን ባህርያትን ዝሕግዙ መከላኸሊታትን ሕግታትን የሐይል
- ጥርዓናት ዝከታተላ ትካላት ንጸብጻባት ዓሌትነት ንዝምልሳሉ ኣገባብ ምምሕያሽ
- ኣብ ፖሊስነት ዓሌትነትን ኣድልዎን ምጉዳል
- ኣስራሕትን ትካላትን ነቲ ንዓሌትነት ዝከላኸሉሉን ዝምልሱሉን መገዲ ምምሕያሽ
- ዓሌትነት ንዘጋጠሞም ሰባት ዝኸውን ከባብያዊ ደገፍ ዝህብ መርበባት ጸረ-ዓሌትነት ምሕያል።
እቲ ስልቲ ኣብ ምንካይ ዓሌትነት ዝገበሮ ጽልዋ ክንዕቅኖን ብዛዕባ እቲ ዕቤት ንሕብረተሰብ ጸብጻብ ክንህብን ኢና።
እዚ ስልቲ ስለምንታይ የድልየና
ካብ ብዙሕ እተዋጻእና ኢና
- 30% ቪክቶርያውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት እዮም ተወሊዶም
- 8% ቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያ ኣብ ቪክቶርያ ይነብሩ
- ቪክቶርያውያን ካብ 300 ዝተፈላለዩ መበቆላት ዝመጹ፡ 290 ቋንቋታትን ላህጃታትን ዝዛረቡ፡ ዳርጋ 200 እምነታት ድማ ዝስዕቡ እዮም
ዓሌትነት ገና ጸገም ኰይኑ ኣሎ
- ኣብ 2022፡ 3 ካብ 5 ቀዳሞት ህዝብታት (60%) ኣብ ኣውስትራልያ ዓሌትነት ከምዘጋጠሞም ሓቢሮም
- ኣብ 2023፡ 1 ካብ 5 ሰባት (18%) ኣብ ኣውስትራልያ ዓሌትነት ከምዘጋጠሞም ሓቢሮም
- 3 ካብ 5 ኣውስትራላውያን (63%) ክርስትያን ዘይኮነ ሃይማኖት ንዘለዎም፡ ወይ ካብ ኤስያ፡ ኣፍሪቃ ወይ ማእከላይ ምብራቕ ንዝዀኑ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉጅለ ስደተኛታት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣለዎም
- 3 ካብ 5 ኣውስትራላውያን (62%) ንዓሌትነት ከም ‘ኣዝዩ ዓብዪ’ ወይ ‘ብተዛማዲ ዓብዪ’ ጸገም ገይሮም ይርእይዎ
ሕጽረት ሓበሬታን ሕብረተሰብ ኣብ ኣገልግሎታት ዘለዎ ትሑት እምነትን፡ ዓሌትነት ግቡእ ጸብጻብ ከይተዋህበሉ ኸም ዝተርፍ ክገብሮ ይኽእል።
ንመን ተዛሪብና
ካብ ቀዳሞት ህዝብታት፡ ብዙሕ ባህልታትን እተፈላለየ እምነትን ካብ ዘለዎምን ማሕበረሰባት ካብ ዝዀኑ ልዕሊ 670 ቪክቶርያውያን ሰሚዕና። እዚኦም ንመራሕቲ ማሕበረሰብ፡ ንናይ ሞያ ክኢላታት፡ ንሰራሕተኛታት ቅድመ ግንባርን ዘጠቓለሉ እዮም።
ኣብ ቪክቶርያ ብዛዕባ ዓሌትነት ጸብጻብ ምቕራብ
ዝኾነ ሰብ ዓሌታውነት ከጋጥሞ ግቡእ ኣይኰነን። ኣብ ቪክቶርያ ዓሌትነት ወይ ኣድልዎ እንተ ኣጋጢሙካ ወይ እንተተዓዚብካ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።
ማዕረ ዕድል ቪክቶርያውን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን
ኣብ መንጎ ሰሙን ካብ 10 ንግሆ ክሳዕ 2 ድሕሪ ቐትሪ ናብ 1300 292 153 ደውል። ነጻ ተርጓሚ እንተ ደሊኻ ናብ 1300 152 494 ደውል።
ናብዚ ኢመይል ጽሓፍ enquiries@veohrc.vic.gov.au
ጽሙም፡ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎ፡ ወይ ናይ ምዝራብ ጸገም ዘለዎ እንተ ዄንካ፡ ንናሽናል ሪለይ ሰርቪስ ርኸቦም።
ፖሊስ ቪክቶርያ
ንህጹጽ ኩነታት፡ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ገበን ንምሕባር፡ ወይ ንህጹጽ ህላወ ፖሊስ፡ ሰለስተ ዜሮ (000) ደውል።
ንዘይህጹጽ ኩነታት፡ ናብ መስመር ሓገዝ ፖሊስ ኣብ 131 444 ደውል ወይ ድማ ነጻ ተርጓሚ ንምርካብ ኣብ 131 450 ደውል።
ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዘሎ መደበር ፖሊስ ወይ ኣብ ኢንተርነት ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።
ስምካ ከይገለጽካ ናብ ገበን ደው ዘብሉ ኣብ 1800 333 000 ብምድዋል ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።
ንዝያዳ ናይ ደገፍን ጸብጻብን ኣማራጺታት፡ በጃኻ ኣብ ስልቲ ጸረ-ዓሌትነት ቪክቶርያ ተወከስ።
ዝያዳ ሓበሬታ
ነቲ ምሉእ ስልቲ ወይ ነዚ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝተተርጎመ ጽማቝ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።
ናብ ኣገልግሎት ትርጉምን ምትርጓምን (TIS) 131 450 ደዊልካ እውን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ክፍሊ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካቢነ ሚኒስተራትን ኣብ 03 9651 5111 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።
ንክፍሊ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካቢነ ሚኒስተራትን ናብዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ፦ antiracism.strategy@dpc.vic.gov.au
Updated 27 November 2024
About the VIC Government
- The Premier and ministers
- Find a Vic Gov department, agency or service
- Strategies and policies
- Inquiries and royal commissions
Grants and programs
Jobs and careers
Arts, culture and heritage
Business and the workplace
- Mentally Healthy Workplaces Framework
- Portable Long Service Authority
- Victoria’s racing industry
- Workforce Inspectorate Victoria
- Liquor licensing, sale and supply
Communities
- Children
- First Peoples - State Relations
- Finding records
- Gender equality & women’s leadership
- LGBTIQA+ equality
- Multicultural communities
- Seniors Online
- Veterans support and commemoration
- Volunteering in Victoria
- Youth Central
Education and training
- Victorian Early Childhood Regulatory Authority
- Early childhood education – information for professionals
- Kinder: Best Start, Best Life
- Education – information for parents
- Schools.Vic - information for schools
- Education grants, programs, awards and events
- PROTECT
- TAFE, training and universities sector
- TAFE Victoria
- Victorian Skills Authority
- Apprenticeships Victoria
- Learn Local
Environment, water and energy
Finance and economy
Health and social support
- Family violence reform
- NDIS Worker Screening Check
- NDIS and disability services and support in Victoria
- Patient Review Panel
- Transforming Trauma Victoria
Housing and property
Law and justice
- Adoption
- Births, deaths and marriages
- Honorary justices
- Machete ban
- Safeguarding Victorians against terrorism
- Stolen Generations Reparations Package
- Victims of Crime
- Victorian Racing Tribunal
Safety and emergencies
- Emergency Recovery Victoria
- Victorian Emergency Relief and Recovery Foundation
- Emergency Recovery Resource Portal
- How well do you know fire
- Fire Services Reform
- Water safety
- Marine Search and Rescue
Science and technology
- Data sharing and open data
- Data.vic - discover and access Vic Gov open data
- Developer.Vic - portal for API developers
- Go.vic URL shortener
- Vic Gov IT project dashboard
- Victoria’s free public wi-fi network
- Cyber security in the Victorian Government
Sport and recreation
Traffic and transport
- Cameras Save Lives
- Transport Fines
- Getting Around
- Transport Planning
- Transport Future
- Climate Change and transport
- Future Directions For Transport
- Transport projects
- Ports and Freight
Working in the Victorian Government
- Single Digital Presence home
- Accommodation and Library Services
- Executive employment in the Victorian public sector
- Budget, procurement and funding
- Careers in the Victorian Government
- Council and Regulator Toolkit
- Guidelines for working in government
- Join a government network
- Standards and guidelines
- VicFleet CarPool
- Victorian Government style guide