Mini vic.gov.au

This is a low bandwidth version of vic.gov.au. Contents may not be up to date. © Copyright State Government of Victoria

ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) (About Free Kinder) - ትግርኛ (Tigrinya)

On this page

ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣብ መላእ ቪክቶርያ ኣብ ዝሳተፉ አገልግሎታት ኣብ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ዓመትን አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ወይ ኣብ ናይ ቅድመ ምድላው ትምሕርቲ/Pre-Prep መደባት ይርከብ እዩ። እዚ ኸኣ ክልቲኡ ናይ ምሉእ መዓልቲ ክንክን ዝግበረሉን ንበይኑ ዝቘመ (ብክፍለ-ግዜ ዝሰርሕ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ) ናይ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር አገልግሎታት የጠቓልል።

ንስድራ ቤታት ዝህቦ ቍጠባዊ ረብሓ

ኣብ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ንበይኖም ዝቘሙ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር ደቆም ዘመዝገቡ ስድራ ቤታት ናይ ናጻ መደብ ይረኽቡ እዮም።

ኣብ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ናይ ነዊሕ ወይ ምሉእ መዓልቲ ኽንክን ደቆም ዘመዝገቡ ስድራ ቤታት ዓመታዊ ናይ ኽፍሊት ካሕሳ/መተካእታ ይኽፈሎም እዩ።

ንናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ብቑዕ ምዃን

ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ንዅሉ ሰብ ኢዩ።

ንናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ብቑዕ ንምዃን ስድራ ቤታት ናይ ጥዕና ካርድ (Health Care Card)፣ ናይ ጡረታ ካርድ፣ ዜግነት ኣውስትራልያ ወይ ናይ ኣድራሻ መረገጋጺ ናይ ግድን ክህልዎም የብሉን። ብተወሳኺ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ንምርካብ ንናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ናይ ቈልዑ ምክንኻን ረድኤት (CCS) ብቑዕ ምዃን ኣየድልየካን ኢዩ።

ኣብ ሓደ እዋን አብ ሓደ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎት ጥራይ ኢኻ ናጻ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ክትረክብ እትኽእል። እቲ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎትካ ነቲ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) እትረኽበሉ ኣገልግሎት ስም ብምሃብ ደብዳበ ኽትፍርም ክሓትተካ እዩ። Pውሉድካ ካብ ሓደ ንላዕሊ ኣብ ዝኾና ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎታት ዝካፈል እንተ ዀይኑ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎት ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣበይ ክትረክብ ከም እትደሊ ክትነግሮም ኣሎካ።

ናይ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ክፍሊት ብኸመይ ከም እትረክብ

ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ዝህቡ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎታት ብቐጥታ ካብ መንግስቲ ቪክቶርያ እዮም ዝምወሉ። እዚ ማለት ከኣ ስድራ ቤታት ነቲ ገንዘብ ክምለሰሎም ክሓቱ ኣየድልዮምን ኢዩ፣ የግዳስ ኣብ ክክንድኡ ክፍሊትኩም ይንኪ። ኣብ ናይ ክፍለ-ግዜ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብካ ብናጻ እዩ ዝቐርብ።

እቶም ናይ ምሉእ መዓልቲ ናይ ህጻናት ክንክን ኣገልግሎት ኣጸደ-ህጻናት ዝጥቀሙ ስድራቤታት ነቲ ካብ ናጻ ኣጸደ-ህጻናት ዝተዓቖረ ገንዘብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዑደት ክፍሊት ሒሳብ ኣብ ትሕቲ ‘መንግስቲ ቪክቶርያ ናጻ ናይ ኣጸደ-ህጻናት መማልኢ/ኦፍሴት’ ዝብል ክርእይዎ ይኽእሉ እየም።

እቲ ናይ ክፍሊት መተካእታ አብቲ ካብ ጁባኻ ወጻኢ እትኸፍሎ ክፍሊት ብኸመይ ከም ዝትግበር

እቲ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መተካእታ/ካሕሳ ክፍሊት ኣብ ምሉእ ዓመት ኣዘውቲሩ (ንኣብነት ሰሙናዊ ወይ ኽልተ ሰሙናዊ) ካብቲ ክፍሊትካ ክንከ እዩ። እቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ኣብ ናይ ቅብሊት ወረቐትካ ‘መንግስቲ ቪክቶርያ ናጻ ኪንደር መተካእታ/Victorian Government Free Kinder offset’ ተባሂሉ ብንጹር ስለዝግለጽ ክትሪኦ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ናይ ኽፍሊት መተካእታ ኣብ ክፍሊትካ ብኸመይ ከም ዝተተግበረን ኣብ ናይ ቅብሊት ወረቐትካ ኸመይ ከም ዝሰፈረን ሓበሬታ እንተ ደሊኻ በጃኻ ብቐጥታ ነቲ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎትካ ኣዘራርብ። ውሉድካ ኣብ ሰሙን ልዕሊ 15 ሰዓታት ኣገልግሎት ዝረክብ እንተ ዀይኑ፣ እዚ ተወሳኺ ሰዓታት በቲ ናይ ክፍሊት መተካእታ/ካሕሳ ኣይሽፈንን እዩ።

ንናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ናይ ቈልዑ ምክንኻን ረድኤት (CCS) ብቑዕ እንተ ዄይንካ ፈለማ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ። እዚ ማለት ከኣ ድሕሪ እቲ ናይ ቈልዑ ምክንኻን ረድኤትን (CCS) ናጻ ኪንደር መተካእታን ነቲ ዝተረፈ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ጥራይ ኢኻ ትኸፍል ማለት እዩ።

ኣብነት፦

በጃኻ ኣስተብህል። እዚ ኣብነት ጥራይ ኢዩ እቲ ወጻኢታት ከከም ናይ ውልቀ - ሰባት ኵነታትን ከከም እቲ ዓመታዊ ናጻ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መተካእታ/ካሕሳ ክፍሊትን ይፈላለ ኢዩ።

Updated 26 March 2026



About the VIC Government

Grants and programs

Jobs and careers

Arts, culture and heritage

Business and the workplace

Communities

Education and training

Environment, water and energy

Finance and economy

Health and social support

Housing and property

Law and justice

Safety and emergencies

Science and technology

Sport and recreation

Traffic and transport

Working in the Victorian Government